Periodically (once a month), President Isaias Afwerki will take time from his very busy schedule of erecting a nation to review the top 3 Eritrean music videos and give us his input. A sculptor, Isaias Afwerki is a natural for Chief Art Critic because he is already University Chancellor, Party Chair, Chief Engineer, Chief Auditor, Chief Commanding Officer, Head of State and Head of Government (for life) We will heavily edit it because, otherwise, it will be longer than the song. This is his first ቀንዲ ሰለስተ. By the way, on your behalf, ED congratulates the president on his birthday (2/2) which falls on Groundhog Day: winter persists all seasons.
3. Helen Meles -ተዛረብ (Tezareb)
ናይ ሄለን ዝፈትዋ ደርፊ እንተላ “መን ኣሎ መን ኣሎ ከማኻ” ትብልያ። እዛ “ተዛረብ” ትበል ሓዳስ ደርፋ ንኽንደይ ገርሂ ልባ ከም ተጋጊ ብዙሕ ተገንዘበትሉ ኣይመስለንን። ‘ዛ ሃገር ዝሰርሑ ‘ምበር: ዝዛረቡ ኣየድልያን እዩ። ‘ዚ መሰል ዘረባ፤ ሓሳብ፤ ምምላኽ… ናይቶም ብስለያ ኣካላት ዋሺንግቶን ዝምወሉ ሸቀጥቲ: ሰብኣዊ መሰላት ኢና ባሃልቲ… ብጣዕሚ ሓደገኛ ምዃኑ ሰብ ነቒሑሉዩ። ትሕዝቶ ‘ቲ ደርፊ ድማ ንሓደ ሰላይ “ዓገብ!” ክንዲ ትብሎ “ሓቂ ሓይሽ ሽኮሪና ኢኻ” ምባላ ዘስደምም እዩ። ከይሳዕረረ: ዝምልከቶም ኣካል ጠመተ ክገብሩሉ ዘለዎ ኣርእስቲዩ…..
ንምዃኑ ተዛረብ ትብል ጠለብ ካብ ስነ ጥበባዊ ኣብራር ዑስማን (ኣብታ “ጽባሕ” ትብል ደርፉ): ናባይ ቀሪባ ኔራ:
እንታዋይ ኮይንካ
ጽባሕ: ኣነስ ፈሪሀካ
በዚ ትሃድነኒ: በዚ ክመጻካ::
ተዛረብ!
ተዛረብ ተዛረብ!
ተዛረብ!
ተዛረብ ተዛረብ!
ተዛረብ! ጽባሕ ሓዲኡ ኣፍልጠኒ
እቲ ዝኽተሎ ጽባሕ ዝጸንሓኒ::
ስቕታ መሪጸ ኣላኹ!
2. Yonatan Tadese “Dula” – ሓዘኪ ልበይ (Hazeki Lbey)
ኣነ ብዛዕባ’ዚ ብዙሕ ክዛረብ ኣይደልይን እየ:: ኣብ ዝመጽእ ግዜ ንዛረበሉ ንኸውን። ኣይርድኣካን እዩ ከመይ ኢሉዩ ክልተ ደርፊ ኣብ ሓደ ዘንቢል ኣእትይዎ፤ ህውኽ’ ዩ ዝመስል። “ኣፍሪቃዊት ጸላም ዑንቂ”፧ ጽቡቅ! እሞ እንታይ ደኣ እቲ ቪድዮኻ ሓንፈጽ ንሓንፈጽ ዝመስላ መሊአንኦ? ዳሕራይ ድማ ኣብ ሳሕል ቀደም ምሩኻትና ይደርፍዎ ዝነበሩ “ኣይፈራም ጎበዝ” ዝዓይነቱ ዜማ ኣብ ሞንጎ ጓይላ እንታይ ኣምጽኦ፧ ዝገርም ዩ……
1. Kflu Dagnew – ተናፋቒት – (Tenafaqit)
እዛ ቆልዓ ንፍዕቲ’ያ። መልእትኽቱ ድማ (“ናፍቖት”) ኣድማሳዊ መልእኽቲ ዩ። ከም ፖሊቲካዊ ናውቲ ‘ውን መኽሰባት ክህልዎ ይኽእል’ዩ: ንኣብነት: ናብራ ስደተኛታት እንታይ ይመስል? ኣብቲ ቪደዮ ተቀሪጹሎ:: ናፋቓይ ሶልዲ ይልእኽ: ናይ ጣዕሳ ወረቐት መሊኡ ገንዘብ ሒዙ ሃገር ይኣቱ። ኣብቲ ቪድዮ ድማ ንዑኡ ትመስል ተዋሳኢት ምዕዳሙ ዝናኣድ ዩ። ኣነኮ ብዙሕ ግዜ የብለይን ክሪኦ ግና መብዛሕቶም ደረፍቲ ባምቡላታት ሒዞም እዮም ዝመጹ፥ ክትሪኦም ክለኻ “እዚኣስ መሓዝኡ?” ኢልካ ትግረም። በዚ ኾይኑ በቲ: ኣመሲጣትኒ’ላ…. ብመጠኑ። ኣብ መንጎ ኣምሓርኛ ምድራፉ ኣይጸላእኵዎን ምስቲ ሰነድና ስለ ዝኸይድ: ብሕልፊ ድሕሪ ምፍናው ስርዓት ወያነ….
Leave A Reply