ኣብ ዘይወግዓዊ መራኸቢታት ከምዝተጠቐሰ፡ ሎምቅነ 100 ዝኾኑ ኤርትራውያን ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሖም ኣለዉ።
“ካብዚ ዝኸፍእ ‘ውን ኣሎ!” ዝብል ምኽኒት ከም ምኽንያት ቅቡል ስለ ዝኾነ፥ “ንምንታይ ተኣሲሮም? እቶም ዝተረፉ’ኸ ስልምንታይ ዘይወጽኡ? ንምዃኑኸ: እንታዩ ሃለዋቶም?” ምሕታት ነውሪ’ ዩ::
እዞም እሱራት ገበኖም፡ ሕሉፍ ሓሊፍዎም እቲ “ጉጅላዊ” (“ፈላለየ”: “ተኹታዂ:”ወዘተ”) ኣላሁ ኣክበር (God Is Great) “ላ ኢላህ ኢላ ኣላህ” (there is no god but God) ኣብ ማእሰርቲን ቀብሪን ሓጂ ሙሳ ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ብዘይ ስክፍታ ስለ ዝጨርሕዎ እዩ፥፥
ይብሉ ኢሳይያስን ወይጦታቱን
ፍርዲን ፍትሕን ዘይብሉ ሃገር: ሕጊን ተጣበቕቲ ሕጊን መዘንቲ ሕጊን ኣየፍርን ኮይኑ ምበር: “ንምዃኑ: እዞም ኣስላም መዓስን ንምንታይን ‘ዮም ኣላሁ ኣክበር ዝብሉ?” ኢሎም ዝምርምሩን ዝምሟጎቱ ምሁራት መጥረየት እዛ በላዒት ቶልዑ ሃገርና። እሞ እቶም ዘይፈለጥኩም: እዛ ሓረግ “ኣላሁ ኣክበር” ጤልን ሰብን ክትሓርድ ተቓንያ መዝሙር ኣይኮነትን:: ካብ መሳጊድ ሃገርና ሙኣዝን መዓልታዊ ሓሙሽተ ግዜ፥ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣዛን ድማ 6 ግዜ ክደግማ ከሎ (ማለት 5×6 = 30 time a day) ኣባጊዕን ሰብን ንምሕራድ ዝግበር ጻውዒት ዘይኮነስ ጎይታኻ ንምዝካር መዘኻከሪ እየን:: ካብኡ ሓሊፉ: ነቲ ዕቡይ ካብኡ ዝዓቢ ከምዘሎ መዘኻከሪ: ነታ ሕጉስቲ ምንጪ ባህታኣ መዝኻኸሪ: ነቲ ጭኑቕ ፈውሲ ልቡ: ነቶም ዝራዓዱ መፈልፈሊ ትብዕዓቶም እያ:: ነቲ ወዝባዊ ብጽእና እትምህርያ… ሓንሳብሲ ኩሉሙሉ እያ::
ንኣብነት፥ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፥ ህዝብና “በቲ ባህልኻን ሃይማኖትካን ዘፍቅደልካ ስውኣትና ዘክር” ምስ ተባህለ (ጥዋፍን: ዓወት ንሓፋሽን: ገንዘብ ኣዋጽኡን ቅድሚ ዘይጽሑፍ ሕጊ ምዃኑ ማለትዩ): ኣካል ህዝብና በዚ ዝስዕብ ኣገባብ ከም ዘኽበርዎም ናይ ታሪኽ ሰነድ እዩ:
(1992: video of Eritrean Muslims chanting “Allahu Akbar!” to remember martyrs)
እቶም ዜጋታት ናብ እምነቶም ስለዝኣመኑ፡ እቲ “ናብቲ ኣነ ዝኣዘዝኩልኩም ኣምላኽን ናባይን ጥራይ ዘይትሰግዱ” ዝብል ናይዚ ዘመን ናዚ፡ ኣብ ናይዚ ዘመን Auschwitz ዳጉንዎም ጸኒሑ።
ብርክት ዝበሉ ካብቶም እሱራት ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ኢዮም። ኣብ ንቡር ዓለም፡ ኣብ ንቡር ስርዓት፡ኣብ ንቡር ሃገር እዞም ህጻናት ኣብ ሑቕፊ ኣዴታቶም ኪሕንቅቑ፡ ምሸት ብድራር ክዓግቡ፡ቅድሚ ምድቃሶም ብውዑይ ማይ ኽሕጸቡ፡ ለይቲ ድርዕቶን ኮበርታን ተኸዲኖም ኪማሙቑ፡ ንግሆ ጸባን ቁርሲን ጸጊቦም ናብ ምህሮ ኪግስግሱ ኢዩ ዝግባእ ነይሩ።
የግዳስ እቶም መራሕቲ ሃገር ኢና ዝብሉ ባንዳ ሰነፋት: ኣብ ክንዲ ነቲ ተወሪሩ ዘሎ መሬቶም ኪመልሱ ውጥን ዝሕንጽጹ፡ ነዘን ቆልዑ ከመይ ጌርና ነሳቕየን፡ ንኣዴታቶም ከመይ ጌርና ደም ነንበዐን ኢሎም ኪመኽሩ ስለዘሓድሩ፡ እቶም ህጻናት ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘይኮነስ ኣብ ቤትማእሰርቲ ሓግዮም። ኮይኑ ድማ እቲ ዝበለጸ ወርቃዊ ዕድሚኦምን መጻኢኦምን ተቖጺዩ።
ሎሚ ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ምስወጹ ዝተራእየ ምስሎም፡ ነቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሕለፍዎ መከራን ስቓይን፡ ብዘስካሕክሕ መንገዲ ዘረጋግጽ ኢዩ። እቶም ህጻናት፡ ዳርጋ ከምቲ ኣብ ስእልታት Auschwitz ማለት መዳጎኒ መዓስከራት ናዚ ዝረኣዩ ኣይሁድ፡ መሰናግለኦም ቆርበቶም ሰንጢቑ ክወጽእ ዝደለየ ኢዩ። የዒንቶም ክሳብ ምስ ነብሶም ኣሎ ዲዩ ዘብል ቆርቂሩ፡ ካብ ገጾም ተንቀሳቒሱስ ናይ ባዕሉ ቅርጺ ጊድጓድ ሒዙ ኢዩ። ደመ-ስገኦም ብመግረፍትን ብስጭትን ከምዝሳጸየ ትርኢቶም ምስክር ኢዩ። ምስ ኩሉዚ ጸገማቱ ግን እዚ ኣብ ዓጽመ-ስገኦም ዝወረደ ግፍዕን ዓመጽን እቲ ዝቐለለ ናይ ጸገማቶም ኢዩ።
እቲ ዝኸፍአ ስቓዮም፡ ኣብቲ ኣብ ኣእምሮኦም ተፈጢሩ ዘሎ ነውጺ ኢዩ ዘንጸባርቕ። እቶም ህጻናት ዝገብርዎ ዘየቋርጽ ብኽያት፡ ዘርእይዎ ስንባደን ምሹቕራርን፡ክበጽሕዎም ንዝመጹ ሰባት ዝህብዎ ናይ ምብህራር ግብረ መልሲ፡ መርኣያ ናይቲ ዝወረዶም ስቓይ ኢዩ። ኩሉ ምልክታት ኣእምሮኦም ብከቢድ ግፍዕታት፡ ብዘየቛርጽ ኣሳቓዩ መርመራታት፡ ብማህረምቲን ግፍዕታትን፡ ኣእምሮኦም ከምዝተዳህከ ዝገልጽ ኢዩ። ዘይውንንዎ ጥምረት ስለ ዘስግኦም፥ ነዞም ህጻናት ፍልልያቶም ከግፍሑ መርዛም ኤትኒካዊ ስብከት ነዚሖሞም::
እወ እዚ ኩሉ ግፍዕታት ሳላ እቲ ንህጻናት ዘንበርከኸ ጅግና ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ኤርትራ ፊልድማርሻል ኢሳያስ ኣፍወርቂ ዘጋጠመ ኢዩ። ህዝባዊ ግንባር ንዴሞክራስን ፍትሕን ዝበሃል ስም ዝሓዘ ወዲ ዓዲ ካብቲ መንግስቱ ዝበሃል ፋሺሽታዊ ስርዓት ዝገበሮ ግፍዒ ንላዕሊ ክፍጽም ምርኣይ እንታይ ይበሃል። እረ ኣዴታት ናይዞም ህጻናት ኣብ ቅድሚ ዓይነን፡ ህጻናት ደቀን ናይ ወሎ ሬሳታት መሲሎም ዓይኖም ቆርቂሩ ልዕሊ ኩሉ ድማ እቲ ንጹህ ኣእምሮኦም ብግፍዕታትን ስቓይን ሰብነቱ ስሒቱ ክርእዩን ካብኡ ባህታ ክፈጥሩን ምስ ምንታይ ይቑጸር።
ጀነራልን መራሒ ሃገርን ምስ ህጻናት ዶ ይዋግኡ ኢዮም። ጀንራልን መራሒ ሃገርን ዶ ምስ ሓላላት ቦቕባቓት ኤዴታት ውግእ ይገጥሙ ኢዮም።
ንሙኻኑ እንታይ ኢዩ ገበኖም እዞም ህጻናት፡ ኣብ ቀብሪ ናይ ሓደ ሸኽ ስለዝተረኸቡስ፡ ከም ብርቱዕ ኩናት ትመርሕ ዘለካ ያኢ ሬድዮታት ወሊዕካ፡ ማዕጾ ዓጺኻ ኣካቢብካ ኣብ በጣሓት ጺዒንካ ናብ መዳጎኒ ምውሳድ እንታይ ኣምጸኦ።
ንሙኻኑ እዞም ሕያዎት ኣመንቲ “ጴንጠ” እንታይ ኢዩ ኣበሰኦም። ክንዲ ንኣምላኾም እንዳነብዑ ዝለመኑ፡ ክንዲ ስርዓቶምን ኣኽብረቶምን ናብ ሰማይ ዘዕረጉስ፡ ከምቶም ንሕና እንደልዮ ኣብ ለይታዊ ትልሂትን ዝርጋንን ዘይተኣለኹም ኢልካ ሰባት ዶ ተሳቒ ኢኻ።
ብስቓይ ህዝቢ፡ ብፍላይ ድማ ብስቓይ ህጻናት ዝድሰት ሳዲስት (sadist) ኢዩ። ምስ ህጻናትን ኣረግቶትንን ዝተሃላለኽ መራሒ ቦጅባጅ መራሒ ጥራይ ኢዩ። እቶም ዝኸፍኡ ስርዓታት ወላ እውን እቶም ዝኸፍኡ ኣሸበርቲ፡ ኣብ ገለ ገለ እዋን ህጻናትን ኣዴታትን ሽማግለታትን ከይጎድኡ፡ ቅድሚ ውግእ ምግባርና ህጻናትን ኣረጋውያንን ካብዚ ከባቢ ይውጽኡ ክብሉ ተራእዮም ኢዩም። እሞኸደኣ ኣዚ ስርዓት ኢየ ዝብል ጉጅለ፡ እዚ ዜጋየ ዝብል ጉጅለ፡ ንገዛእ ህዝቡ ክሳብ ክንድዚ ከሳቒ ምስ ምንታይ ይቑጸር።መምዘኒ ምዕበለ ሃገር “ነቲ ዝደኸመ ኣካል ሕብረተ-ሰበን ከመይ ይናድዮዮኦ?” ንዝበል ሕቶ ሓደን ወሳኒን እዩ:: እሞ ኤርትራ ብከመይ ንምልሶ? እዚ ስርዓት ኢሳይያስ ንደፋር ዘሕንኽ: ንርጉም ዘደንግጽዩ::ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ነዚ መሐበሪኡ ከም ናእዳዩ ዝቕበሎ:: ሕላገት ኤርትራ: ቀጻሊ መቕጻዕቲ ህጻናትን ሽማግለታት እዩ:: መልሰ-ግብሪ: በቲ ክላ! በቲ ኤህ! ባንዳ ኢሳይያስን ደገፍቶምን: መርገም-ስንቆም: ክሳዕ ዕለተ መኣከብ፥ ሰንከልከል ክበሉዮም:: ምስ ወደቑ ውን ዝኽረቶም : ንወለዶታት: “ኣብ ዘለዎ እቲ ርህሩህ ፈጣሪ ዘይኮነስ እቲ ቂመኛ የጟንፎም ኣሚን” ምባል ባህርያዊን ፈውሳዊን እዩ::
እቲ ዘሕዝን እዞም ህጻናት ሕልሞም ተሰሪቑ ኢዩ። ባህጎም ተኾሊፉ ኢዩ። ምናልባት ሓደ ካብኦም ኤንጂነር ኮይኑ ክምረቕ እሞ ዓዱ ኪሃንጽ ይሓስብ ነይሩ ይኸውን። የግዳስ ሎሚ፡ ክሃንጽ ዘይኮነ ሓንጎሉ፡ መንፈሱ፡ ክብሩ ሰብነቱ ሃደሽደሽ ክብል ዝረኣዮ፡ ተስፋ ዝቖረጸ፡ ዝተሳዕረ ህጻን ኮይኑ ኣሎ። እዚ ትራጀዲ ናይዚ ህጻን ንዝበዝሐ ህዝቢ መዓንጥኡ ከሕርር ከሎ፡ ነቶም ብስቓይ ህዝቢን ህጻናትን ባህታ ዝረኽቡ ሳዲስት ግን፡ ዝለዓለ ጥርዚ ናይ ባህተኦም ኢዩ።
ኤርትራ ግን ንኽልቲኦም ትዕዘብ ኣላ። ነቶም ግዳያት ኣጆኹም 7 ግዜ ወዲቕኩም ሸሞንተ ግዜ ተስኡ እሞ፡ ሓደ መዓልቲ እታ እትብህግዋ ኣደ እትዕልለላ፡ እዚ ሬሳ መሲሉ ዝነብዕ ዘሎ ህጻን ዝስሕቀላ ሃገር ኪኸውን ኢየ ትብሎም ኣላ። ነቶም ሳዲስት ድማ፡ ኣብ ነብሲ ወከፍ መዓልቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ እትውስኽዋ ስቓይ፡ ጽባሕ ንግሆ ንእትኸፍልዎ ዕዳ ብማዕሪኡ ይውስኽ ኣሎ እሞ ወይልኹም ትብሎም ኣላ።
ኤርትራ ነቶም ዓመጽቲ ከምዚ ትብሎም ኣላ። ኣንቱም ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ግፍዕታት እትፍጽሙ ዘለኽም፡ እቲ ሓጥያት ናትኩም ኢዩ፡ እቲ ገበን ዋናታቱ ንስኹም ኢኹም፡ እቲ ናይ ሓዋሩ ከቢድ ዋጋ ድማ ኣብ ዝባንኩም የንብሮ ኣለኽሞ ንስኹም ክትከፍልዎ ኢኹም።
ኣያታቶም’ከ
ነቶም ሱቕ ኢሎም ዝርእዩ ዘለዉ? ቕድሚ 20 ዓመታት ይኸውን እቶም ኣብ ዊዓ ተሓቢሶም ዝነበሩ መንእሰያት University of Asmara: ድሕሪ ክንደይ ታህዲዳትን ጉዕዞ እግሪን ናብ ናብ ዳህላክን: “ዓርኪ ሰይጣን” ጀነራል ዉጩ: ናይ ጣዕሳ ወረቐት ኣዚዙ:: መሊኦም: ከም ሰቦም ተሰዲዶም:: ስለ ምንታይ ምስ ተሓተቱ “ግልጽ ምልጽ ተበልናስ ረዳኢ ዘይብልና: ቐቢጽና ኢድና ሂብና!” ዝብል ዘሕዝን መልሲ ሂቦም። እቲ ዋሕዚ ሽዑ’ ዩ መዕገቲ ዝስኣነ፥ ወይ ማሕዩር: ወይ ደረት-ኣልቦ ጊላነት ጥራይ ስለ ዝነበረ ሕርያታት መንእሰይ:: “እዚኣ ተኾይና ናጻ ኤርትራስ ጠቕሊልኩም ብልዑዋ”ቢሎም ሃፈፉ::
Testimony of UoA Students At WiA
ቤት ማእሰርቲ ዊዓ (ካብ እሱራት ነበር ዝተላእክት)
ኽሳራታት ኤርትራ ድማ ነሃረ:: እቶም ካብ ጌግኦም ዘይመሃሩ መንግስቲ ኢና በሃልቲ; ነብሶም ከይመርመሩ ሓንሳብ ወያነ ሓንሳብ ሲ.ኣይ.ኤ. እናበሉ እታ ሓንቲ ዝሰንዕዋ ፋብሪካ Blame, Inc. ዓመት ዓመት ደርቢ ዛይዳ:: እሞ ሕጂ’ኸ ኣብ ግዜ ሰላም ስለምንታይ እቲ ፍልሰት ደው ዘይብል? እቲ ምህዞ ይቕጽል: Game Over, Qatar, ገለመለ::
ድሕሪ 30 ዓመት: ሱቕ?
ኤርትራ ነቶም ሱቕ ኢሎም ዝርእዩ ዘለዉ እውን ከምዚ ትብሎም ኣላ። ኣቱም ስቕ ኢልኩም እትርእዩ ዘለኹም ናይ ጽቡቕ ምግባር ኣንጻር ሕማቕ ምግባር ኢዩ ዝብል ርድኢት እንተሊዩኩም ተጋጊኹም ኣለኹም ናይ ጽቡቕ ምግባር ኣንጻር ሕላገት ኢዩ። እቶም ዓመጽቲ ህዝቢ እንዳኣሳቐዩ፡ ዘይንሶም ኢዮም ገበርቲ ንሕና እንታይ ገደሰና ትብሉ እንተሊኹም፡ ነቲ ሰይጣን ጉልባብ ኢኹም ትኸድንዎ ዘለኹም፡ ኮይኑ ድማ ከምቶም ዓመጽቲ፡ ስምኩም ዳርጋ ዓመጽቲ ኪኸውን ኢዩ። ስለዚ ሓደው ምስቲ ውጹዕ ተንስኡ፡ ሓደው ምስቶም ዓመጽቲ ተሰርዑ።
saay (ሳዓኣዩ)
Leave A Reply