ኣብዚ ምዕራባዊ ሸነኽ ናይ ዓለምና ሰባት ኣብ እዋን ሌላ ዝጻወትዎ “ክልተ ሓቂታት ሓንቲ ሓሶት” ዝበሃል ዓይነት ገበጣ ኣሎ። ንሱ ድማ ብፉኹስ ዝበለ መንገዲ እንዳተዘናግዑ ንኺላለዩ መታን ክሕግዞም እቲ ዝላለ ዘሎ ሰብ ነቶም ዝላለይዮም ዘሎ ሰባት ብዛዕባ ነብሱ ሰለስተ ነገራት ማለት 2 ሓቒታት ሓንቲ ሓሶት ይነግሮም እሞ፡ ኣይነየቲ ኢያ እታ ዘይቅንዕቲ (ዘይሓቂ) ፍለጥዋ ይብሎም። በዚ መንገዲ እቶም ሰባት ነቲ ሰብ ይላለይዎ ጥራይ ዘይኮነስ እንታይነቱ ኣዕሙቕ ኣቢሎም ክፈልጥዎ የኽእሎ።
ንኣብነት ንበል ተስፋልደት መሓረና ይላለየና ኣሎ። ንሱ መጺኡ “ኣነ ተስፋልደት መሓረና እበሃል፡ 1) ወዲ ኣስመራ እየ፡2) ሊድ ጊታር የነቅዋ እየ፡ከምኡ እውን 3) ኣቦ ‘ደሊና’ ኢየ” ኢሉ ይፍትነና እሞ፡ ንሕና ድማ ያእ ቁጽሪ 1)! 2)! 3) ንብል፥ ዕላል ይደምቕ…
“ካብ ጫፍ ጎደና ዓዲ ሓወሻ ደሴት ጎደና ሓርነት ሰንጢቆምን ንላዕሊ ብጎደና በርዓሶግለ ብእግሪ ጉዕዞ ይምርሹ:: ዕላል መንገዲ ይፍልፍል: ሸናዕ ምስ ወግዒ ሓድሕድ ሓበሬታ ይካፈል::መንእሰያት ሽማግለታት ኣቦታት ኣዴታት ናብ ቀንዲ ጽርግያ ብምሕዋስ ሰላምታ ይለዋወጡ: ደጋጊሞም ኣሳእል ይወስዱ: ፊስካ ጻውዒትን ጣቕዒትን ነቲ ጉዕዞ የሰንይዎ:: እቲ ጉዕዞ ሜዳ ቦቸፊላ ሓሊፉ ክሳብ መንበረ ቤት ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ቀጸለ:: ቀዳማይ ሚኒስተር ነቲ ምዕሩግ ቤት ብምዕዛብ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ንክልትኣዊ ዝምድናን ናይ ሓባር ስራሕ ንምሕያልን ዘካይድዎ ጻዕሪ ዝምስክር ምኳኑ ብውዕዉዕ ስምዒት ይገልጽ….”
ኡይ፦ ኣይትሓዙለይ! መጋነኒት ኤረ ቲቪ ንጋኔን ክትኮሓሕል ከሪማ! መስሓቕ ዘይትገብሮ የብላን…… ሕራይ ኣበይ ኔርና?
እስከ በሉ እዚ ጸወታ ካብ ናይ ሰባት መላለዩ ናብ ናይ ሃገራት መላለዩ ጌርና ንጠቐመሉ ኣሎና ንበል። ኣብቲ ጸወታ ድማ ኤርትራ ትሳተፍ ኣላ ኢልና ንሕሰብ፡ ንኤርትራ ዝውክል ዘሎ ካብ መንግስቲ፡ ወይ ካብ ቀጽሪ ተቓውሞ ወይ ውን ካብ መንቃውሞ (ሕውስዋስ መንግስቲን ተቓውሞን ) ኪኸውን ይኽእል ኢዩ። ንኺድ ጥራይ ይብሉ ህግደፍ ኢንዲያሞ ዶ!
ንመንግስቲ ዝምልከት ሓቂ ዶ ሓሶት
ሓቂ ዶ ሓሶት ቁጽሪ ሓደ። ኣብዚ እዋን እዚ ልክዕ ከምቲ መንግስቱ ሃይለማርያም ኣብ እዋን ዕርበቱ ዝገበሮ ዝነበረ፡ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ላም ወይ ብዕራይ ብዘይካ ንመንግስቲ ንዝኾነ ካልእ ወገን ኪትሸይጥ ኣይፍቀደካን። መንግስቲ ኤርትራ ነታ ላም ወይ ብዕራይ መዚኑ ስብሓን ዕብራናን ብዘየገድስ ንኺሎ 35 ናቕፋ ይኸፍለካ። ላምካ ወይ ብዕራይካ ካብ መንግስቲ ወጻኢ ንኻልእ ሰብ ኪትሸጣ እንተተረኺብካ ከብትኻ ይህገራ፡ ዋና ድማ እዝግሄር ዋናኻ እንታይ ከምትኸውን። ዓወት ንሓፋሽ!
ሓቂ ዶ ሓሶት ቁጽሪ ክልተ። ኣብዚ እዋን እዚ መንግስቲ ገዛ ገዛ እንዳዞረ ነብሲ ወከፍ ስድራ ክንደይ ተለቪዥን ትውንን ይቖጽር ኣሎ። እዚ መንግስቲ ቆጸራ ህዝቢ ኤርትራ ኣካይዱ ስለዘይፈልጥ ( ቆጸራ ዝተኻየደሉ እዋን ኣብ 1984 እዋን ደርጊ ኢዩ ነይሩ) ልክዕ ብዝሒ ህዝቢ ኣይፈልጦን ኢዩ። ምኽንያቱ ንመንግስቲ ኤርትራ ብዝሒ ህዝቢ ዘይኮነስ ብዝሒ ቲቪ ኣሰናን ኤሪሳትን ዝርእዩ ኢዩ ዘገድሶ።ደርዕሞ ጥራይ!
ሓቂ ዶ ሓሶት ቁጽሪ ሰለስተ። ሎሚ ኣብ ኤርትራ ሓደ ሰልፊ ጥራይ ኢዩ ዘሎ፡ ሃገራዊ ባይቶ የለ፡ ምምቕራሕ ስልጣን የለ፡ ነጻ ፕረስ የለ፡ ነጻ ዕዳጋ የለ፡ ነጻ ምንቅስቓስ የለ፡ ኩሉ የለ!
ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ ኩሎም ሓቂ ኢዮም ስለዚ ኣብታ ንቡር ዘይትፈልጥ ኤርትራ ኩሉ ነገር ዘይንቡር እንዲዩ፡ እታ ጸወታና እውን ዘይንብርቲ ተቐይራ ኣላ ፡ ማለትሲ ክልተ ሓቒ ሓደ ሓሶት ዘይኮነስ ሰለስተ ሓቂ ተቐይራ ምኽንያቱ ኩሎም ኣብ ላዕሉ ዝተጠቕሱ ኣብ ኤርትራ ኣብዚ እዋን እዚ ዝኾኑ ዘለዉ ሓቅታት ኢዮም።
እንታይ እስከ! በዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሓቅታት ወለሓደ ዝገርሞ የሎን፡ ተቓዋማይ እንተኾይኑ “እዚ ደኣ ንፈልጦን ዝረብረብናሉን ሓቂ እንዲዩ እንታይ ሓድሽ ነገር ዘምጻእካ መሺሉካዩ ጽሒፍካዮ” ክብል ኢዩ፡ ዕዉር እንዳ “ንንንን” ማለት ካብቶም “ንሕና ንሱ ንሱ ንሕና” ተኾይኑ ድማ “ኣንታ ሓሳዊ! ሲኣይአ! ሓሶት ኢዩ!” ክብለና ኢዩ፡ ወይ ድማ ነዘን ዘጋጠማ ምኽኒት ክረኽበለን ሕጊግ ክብል ኢዩ። ንኣብነት ከምዚ ክብለና ይኽእል ኢዩ፡ “እንታይ ዲዩ መሲሉካ ወያነ ናይ ከብቲ ቅልውላው ክህሉ ከብቲ የሱሉኽ ምህላዉ መንግስትና ስለዝበጽሖ ክቡር መንግስትና ሃገራዊ ድሕነት ማለት ከብታዊ ድሕነትን ስብሓዊ ሉኣላውነትን ንምውሓስ ኢዩ ዝጽዕር ዘሎ” ክብለካ ይኽእል ኢዩ።
ስለዚ ምስ ከምዚ ዓይነት መንግስቲ ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ምስ ከምዞም ዓይነት ዕዉራት ደገፍቲ፡ ምስዚ ተስፋ ዘይብሉ ስግንጢር ዲክታተር፡ ተቓውሞ ብከመይ ኪሰርሕ ኣለዎ፡ እንታይከ ኪገብር ኣለዎ ኢልና እስከ ንርአ። መታን ክሕግዘና እታ “ክልተ ሓቂ ሓንቲ ሓሶት” እትብል ገበጣ እስከ ንጻወት።
ንተቓወምቲ ዝምልከት ሓቂዶ ሓሶት
ሓቂ ዶ ሓሶት ቁጽሪ ሓደ። ኣብ ኤርትራን ኢትዮጲያን ዘለዉ ተዛረብቲ ቋንቋ ትግርኛ ኪቀራረቡ ኣለዎምዶ ዓቢ ግምት ሂብና ንካታዕ። ደጊምና ዝያዳ ኪቀራረቡ ኣለዎ ዶ የብሎምን ኢልና ኣዕሙቕና ክንካታዕ፡ መሊስና መንዩ ዝያዳ ከይቀራረቡ ዝዕንቅፎም ዘሎ ኢልና ኪንካታዕ ነውገሓ።ብኸምኡ ድማግዜና ነሕልፍ። ኣንታ ወዲ ካብዚ ዝዓቢ ኣገዳሲ ጉዳይ እንታይዶ ኣሎ ኢዩ፡ እንዲያሞ ንካታዕ! ንላዘብ! ንከራኸር!
ሓቂ ዶ ሓሶት ቁጽሪ ክልተ። መንዩ ወዲ ባት፡ መንዩ ወዲ ኣርባዓ፡ መንዩ ጽሩይ ኤርትራዊ፡ መንዩ ሕርኽራኽ ዘለዎ ኤርትራዊ ኢልና ኪንካታዕ ንውዕል። ወደባት ማለት ስም ኣቦ፡ ኣበሓጎ፡ ኣበሓጎ ኣበሓጎ፡ ናይ ኩሎም ኣበሓጎ ኣበሓጎታት ኣስማት ዝነውሐ ዝኸደ ኢዩ ኢልና ንካታዕ። ምልስ ኢልና ድማ ነቲ ብዛዕባ መንኢዩ ዜጋ ዝብል ሕቶ ብደቂቕ ዘይምልስ ናይ 1997 ቅዋም እቲ ዝበለጸ ሊበራላዊ ቅዋም ኢልና ንሙጉስ።
ሓቂ ዶ ሓሶት ቁጽሪ ሰለስተ።ኢሳያስ ኣፍወርቂ ነታ ብሓደ ሰልፊ እትግዛእ ዘላ ኤርትራ ብሓንቲ ስድራ ቤት ማለት ብስድርኡ ናብ እትግዛእ ሃገር ኪቕይራ ለይትን መዓልትን ይሰርሓሉ ኣብ ዘሎ እዋን ደንበ ተቓውሞ ሓያል፡ ውዱብ፡ ዘይጸዓድ ውዳበ የደልድል ኣሎ። ዳውን ዳውን!
ኣቕሊለዮ ዶ ንተቓወምቲ ዝተዋህበ ሕቶታት ደሓን መመልስኹም ጥራይ ሃቡሉ፡ እቲ መርመራ ቀሊል ኢዩ ከምቲ ብነኣሽቱና ንመሃሮ ዝነበርና ዘይ ዓይንኻ ዓሚትካ ‘ትሩ ወይ ፎልስ’ ምባል ኢዩ እቲ ጽቡቑ ወላ እቲ ዝሓመቐ ተመሃራይ እንተኾንካ ውን 50% ስንክሳር ማለት ጂንየስ ናይ ሙኻን ተኽእሎ ኣሎካ።
ኣብ ዞባና ( ጎደቦና ይብል ኢሳያስ ተረኽበ) ነዛ መርመራ ዝተፈተነት ሓንቲ ሃገር ኣላ ንሳ ድማ ሱዳን ኢያ። ሱዳን ወዮ ጸወታ “ክልተ ሓቅታት ሓንቲ ሓሶት” ዝያዳ ኣዘናጋዒ ኪኾነላስ፡ ኣብ ታሕሳስ 2018 ኮይንካ ኣብ 2019 እንታይ ኬጋጥም ኢዩ ገምት ትብል ግድል ወሲኻትላ ነይራ።
ንሱዳን ዝምልከት ሓቂ ዶ ሓሶት
ሓቂ ዶ ሓሶት ቁጽሪ ሓደ። ዑመር ኣልበሽር ኪግምጠል ኢዩ ደሓር ኣብ ቤት ፍርዲ ኪቐርብ ኢዩ፡ ደሓር ብዛዕባ ኣብ ዳርፎር ዘህለቖም ኣሽሓት ሰባት ዘይኮነስ ብዛዕባ እተን ንጉስ ሱዑዲያ ዝሃቦ 25 ሚልዮን ኪሕተት ኢዩ። ወይለይ ንእግረ መንገድና እባ ሓንቲ ቦጦሎኒ ዝሰደደ በሺር 25 ሚልዮን እንተተጎኒዑ ደኣ፡ ምሉእ ወደብ ዓሰብ ንወተሃደራዊ መዓስከር ዝሃበን 2 ብርጌድ ሰብን ዝሰደደ ኢሳያስ ደኣ 250 ሚልዮን ወሲዱሎ ማለትዩ።
ሓቂ ዶ ሓሶት ቁጽሪ ክልተ።እቲ ቅጽበታዊ ሰራዊት ዝበሃል ጃንጃዊድ ኪጣየስ ኢዩ፡ መራሒኡ ሕሜቲ ድማ ናብታ ናይ ቀደሙ ስራሕ ምሻጥ ኣግማል ክምለስ ኢዩ።
ሓቂ ዶ ሓሶት ቁጽሪ ሰለስተ። ኣብ ሱዳን ወተሃደራዊ ክዳን ለበስ ፕረዚደንት፡ ጓለንስተይቲ ኣኽባሪት ሕጊ፡ ምሁር ቀዳማይ ሚኒስተር ዘጠቓለለ ባይቶ ሉዓላውነት ዝበሃል ኪቐውም ኢዩ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ድማ ብኽእለቶም ዝተመርጹ ደቀንስትዮ ብዝግባእ ዝተወከለኦ ካቢነ ኪሓጺ ኢዩ።
ንሱዳን ብዝምልከት ቁጽሪ ክልተ ሓሶት እቶም ክልተ ካልኦት ሓቂታት ኢዮም።
ኣብ ሱዳንን ኢትዮጲያን ዝተኻየዱ ለውጥታት ኪወዳደሩ ከለዉ እንታይ ይመስሉ።
ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝተኻየደ ለውጢ ብዙሕ ዘመሳስልን ዝፈላልን ኣለዎ። ኣነ ከተኩሮሉ ደልየ ዘለኹ ኣብ ሓንቲ ንኽልቲኦም ተመሳስል ነጥቢ ኢያ፡ ምኽንያቱ ንዓና ንኤርትራውያን ትምህርቲ ኪትከውን ስለእትኽእል።
ኣብ ክልቲአን ሃገራት ልዙባት ኣካላት ናይቲ ገዛኢ ሰልፊ፡ ኣካል ናይቲ ለውጢ ኮይኖም ኢዮም። ኣካል ናይቲ ለውጢ ዝኾኑ ግን ብጸቕጢ ናይቲ ለውጢ ዝጠለበ ህዝቢ ኢዮም። ንኣብነት ኣብ ኢትዮጲያ ቄሮን ካልኦትን ብደገፍ ናይ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኣሕዋቶም ሰፊሕ ምንስቓስ ምስገበሩ፡ እቶም ኣብ ውሽጢ ኢህወደግ ዝነበሩ ልዙባትን ዘየኽረርትን ንለውጢ ተንቀሳቒሶም። ኣብ ሱዳን ህዝቢ ብመሪሕነት ማሕበር ፕሮፌሺናላትን፡ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ህዝቢን ከቢድ ሰልፊ ምስኣካየደ ካብቲ ገዛኢ ሰልፊ ሙእተመር፡ ከምኡ እውን ካብ ኣዘዝቲ ሰራዊት ምክልኻል ኣካል ናይቲ ለውጢ ኮይኖም።
ልክዕ ኢዩ ኣብ ኢትዮጵያ ለውጢ ብህዝቢ እንተዘይመጽእ እቲ ንስልጣን ቀዳማይ ሚኒስትርነት ከም ሌካሌካ ዝፈቱ ቆልዓ ንነዊሕ ዓመታት ዝሃለማ ኣቢይ እንተስ ከምቲ ዝበሎ ምስ ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ተቓወምቲ ተደጋጊፉ እንተስ ሰላዩ ኮይኑ ሃሰው ምበላ ነይሩ።
ኣብ ልዕሊ እቲ ብህዝቢ ዝተገበረ ተቓውሞ ኣቢይ መራሒ ኪኸውን ዘኽኣሎ ካልእ ረቛሒ ኣወዳድባ ኢህወደግ ኢዩ፡ ምኽንያቱ ኢህወደግ ኦሮሞ መራሒ ከምጽእ ስለዝወሰነ። እቲ መራሒ ኪኸውን ዝኽእል ዝነበረ ለማ መገርሳ ድማ ብሰንኪ ኣባብል ፓርላማ ዘይሙኻኑ ሕግታት ኤህወደግ መራሒ ኪኸውን ዘየፍቅደሉ ስለዝነበረ ወዮ ኣቢይ እታ ወዲ 7 ዓመት ከለኹ ኣደይ ንጉስ ክትከውን ኢኻ ኢላትኒ ዝብላ ዙፋን ተረከባ።
ለማ መራሒ ነይሩ ተዝኸውን ብዙሕ ዝተፈለየ ቅዲ ምረኣና። ብዉሑዱ ዘይከም ኣቢይ ለማ ንዝኾነ ሰብ ብፍላይ ድማ ነቲ ኣብ ዓድና ዘሎ ዲክታተር ወዲ ኣፎም እንዳበለ ሙሕቓፍን ኮሸምሸም ምባልን ኣይምረኣናን ግዲ።
ኣብ ሱዳን እውን ህዝቢ ነቲ ለውጢ ተዘይመርሖ ካልእ ቅዳሕ ናይ በሺር ዝኾነ ወተሃደራዊ መራሒ ምመጸ ነይሩ፡ ይኹን ግን ህዝቢ ስልጣን ንህዝቢ ክወሃብ ኢና ደሚናን ቆሲልናን ስለዝበለ እነሆ እቲ ቅርጺ ተቐይሩ።
ምህሮን ተመኩሮን ንኤርትራ
ኣብ ኤርትራ ካብቲ ዘሎ ሰልፊ ልዙብ ኣመለኻኽታ ዘለዎም ተጠራኒፎም ንኢሳያስ ኣሲሮም ለውጢ ከምጽኡ ይክእሉ ዶ። ንሶም ብንሶም ተኾይኑ ሓደ ደም ሰብ ሰትዩ ዝጸገበ ዳይናሶር ተኣልዩ ካልእ ጽሙእ ደም ምስታይ ዝደሊ ዳይናሶር ከይመጽእ ዘስግእ ኢዩ። ሓድሽ ዲክታተር ብስም ውዑይ ድም ወይ ሓድሽ ወለዶ መጺኡ ዝኸፍአ ኣዕናዊ ፖሊሲን ኣካይዳን እንተኸይዱ ዝበኣሰ ኢዩ።
ንመመሰሊ ኪኾነና ኣብ መንጎ እዞም ዝልእክዎም ዘለዉ ሓንጨመንጪ ከም ምሕረተኣባትን ገለመለን፡ ኣብ መንጎ ዘምህረት ዮሃንስን ዘሎ ፍልልይ ክልቲኦም ድንቁርና ዘንጸባርቕ ፖሊሲን ስርዓትን ዝስዕቡ እኳ እንተኾኑ፡ እቲ ዳሕረዋይ ብውሑዱ ጉድኣት ናይቲ ኣዕናዊ ፖሊሲ ዝረኣየ ኢዩ። ስለዚ ለውጢ ኣረጊት በላዕተኛ ኣሊዩ ሓድሽ በላዕተኛ ዘምጽእ መታን ከይከውን ወላ እቶም ልዙባት ኣብ ስልጣን ዘለዉ እውን እንተተሓወስዎ ብናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ ኪወሓስ ይግባእ።
ህዝባዊ ስልጣን እንታይ ማለትዩ
ልክዕ ኢዩ ብዙሓት ህዝባዊ ስልጣን ኢልካ ዘረባ ንጭረሖ እምበር ብግብሪ ዘይከኣል ሕልክላኽ ስለዝኾነ ንክልሰ ሓሳባዊ ክትዕ ጥራይ ዝመጽ ብግብሪ ግን ዝያዳ ሕልኽላክን ዘይከኣልን ኢዩ ዝብሉ ኣለዉ።ኣነ ግን ይከኣል እምበር ዝብል ሓሳብ ምስናይ ዝስዕቡ መርተዖ ኢዩ ዘሎኒ። ንምርድዳእ መታን ክጥዕመና እቶም ተኽእሎታት ኣበየናይ እዋንን በየናይ መንገድን ኪሕግዘና በብሃዋህዎም ከንብሮም ክፍትን ኢየ።
ሃዋህዉ ሓደ፡ ሎሚ በዘይካ ውሑዳት ሰባት ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ እዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ (ሰብኣይ) ተስፋ ዘይብሉ ኪዕረ ዘይክእል ኣዕናዊ ስርዓት ሙኻኑ ተረዲእዎ ኢዩ። እቶም ውሑዳት ኪቐብጽዎ ዘይደልዩ ግዜ ንሃቦ ዕድል ንሃቦ ዶ ኣሜሪካ ወያነ ክብሉ እኳ እንተጸንሑ፡ ሎሚ እዘን ጉልባባት እውን ተቐንጢጠንሲ ጸሓይ ወቒዕወን ኢዩ።እዚ ስርዓት ምስ ሰብኣዩ ብዘይካ ጸይቂ፡ ዕንወት፡ ንህዝቢ ኤርትራ ምግራፍን ምስቓይን፡ ካልእ ዝኽእሎ ሞያ የብሉን። ምሕደራን ስርዓትን ኣይናቱን ኢዩ ፡ ብርሑቕ ይኹን ብቐረባ ዘይክእሎ ሞያ ኢዩ።
ሃዋህዉ ቁጽሪ ክልተ፡ እዚ ኣብ ሃዋህው ሓደ ዝተገለጸ ሓቂ ንድሕሪት ዝምለስ ኣይኮነን። ኣብ ኤርትራ ዘሎ መንግስቲ ( ናይ ሓደ ሰብኣይ ገዛ ) ብዝኾነ መለክዒን መልክዕን ኪመሓየሽ፡ ኪቕየር ክሰምዕ ዝክእል ኣይኮነን። ዝኾነ ምኽንያት ክወሃበሎም ዘይክእል ቁጠባዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ወተሃደራዊ ማሕበራዊ፡ ዲፕሎማስያዊ፡ ዕንወት ኣካይዱስ ንኤርትራ ን28 ዓመታት ረሚሱ፡ ሓሚሱ፡ ንምብትታና ይሰርሕ ኣሎ።ከምኡ ስለዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ እንተላይ እቶም ቀቢጾም ኪገድፍዎ ዘይሕሰብ ዝነበሩ ደገፍቱ፡ ቀቢጾምን ተስፋ ስኢኖምን ቶባ ድሕሪ ደጊም እዚ ስርዓት ብዘይካ እንዳ ጎሓፍ ካልእ ቦታ የብሉን ኢሎሞ ኢዮም።
ሃዋህው ቁጽሪ ሰለስተ፡ ብምኽንያት እዞም ክልተ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሱ ሓቅታት ደጊም ካብ ሕጂ ንንየው ኣብ መንጎ መንግስቲ ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ዝህሉ ዝምድና ናይ ጸላኢን ግዳይን ቅርጺ ሒዙ ኢዩ። ህዝቢ ነቲ ላሕ ዘበሎ መንግስቲ ተግባራቱ ደው ከብል፡ ጸይቅታቱ ኪሓድግ፡ኣካይድኡ ከመሓይሽ፡ ፍትሒ ከንግስ፡ እሱራት ክፈትሕ ክጽውዕ ኢዩ። ወያነ፡ ሲኣይአ፡ ዝብሉ ጽንጽዋይ ስለዘብቐዐ ህዝቢ ኣተኩሩኡ ናብ ውድቀት መንግስቲ ዘቀላጥፍ ተግባራት ኢዩ ኪገብር።ኣብ ንቡር ኩነት ከምዚ ዓይነት ጸቕጢ ክመጽእ ከሎ መንግስቲ ለውጢ፡ ሕድገት፡ ምምሕያሽ ኢዩ ዝግበር። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ይኹን መንግስቲ ግን ንቡር ኮይኑን ጌሩን ስለዘይፈልጥ፡ ነዚ ሕቶታት ብንቡር ዘይኮነስ፡ ብሓይሊን ዓመጽን ኪስዕሮን ከንበርክኾን ክፍትን ኢዩ።
ሃዋህው ቁጽሪ ኣርባዕተ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ቅርጺ ክልተ ደንበ ጥራይ ኢዩ ዘለዎ፡ በቲ ሓደ ወገን ውሑዳት ሰባት ምስቲ ዓማጺ ዝወገኑ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ነዚ መላእ ህዝብን ሃገርን ጆሆ ሒዙ ዘሎ ስርዓት ንምውጋድ ዝሕልኑ፡ ዝሓልሙ፡ ዝምህለሉ ዝሰርሑ ወገናት። እዚ ወገን እዚ ነቶም ኣብ መንግስቲን ስርዓትን ዘለዉ ብደገን ኣብ ተለቪዥንን ኣብ ቅርጺ መንግስቲ ዘለዉ ሓያላት ሰባት ዝመስሉ፡ ብግብሪ ግን ምስ ሰቦም ቁሪምሪም ክብሉ ዝውዕሉን ሃድሩን እውን ዘጠቓልል ኢዩ። ምኽንያቱ ዳርጋ ኩሎም እቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ይኹን ተራ ሰባት ባዕሎም ከምዝብልዎ ልቦም ካብ መንግስቲ ካብ ዝሽፍት ዓመታት ኣቑጺሩ ኢዩ። ገሊኦም ተገዲዶም፡ ገሊኦም ኣብዚ ዕድመ እንታይ ክንገብር ንክእል ኢሎም፡ ገሊሶም ነብሶም ኣመና ፈትዮም፡ ገሊኦም ዝበልዕዎን ዝነብሩሉን ህይወት እውን ስለዘይብሎም ኢዩ።
ሃዋህው ቁጽሪ ሓሙሽተ፡ “ይኣክል” ለውጢ ብጭቡጥ ከረጋግጽ ዝኽእል ህያው ምንቅስቓስ ኢዩ። ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝዝርጋሕ ናይ ተቓውሞ ወረቓቕቲ፡ ዝልጠፍ ምልክታታት ተቓውሞ፡ ኣብ መናድቕ ዝልከዩ ቦያታት “ይኣክል”፡ ከምቲ ንብዙሃት ዝመስሎም ብገለ ‘ተባዓት መንእሰያት’ ዝግበር ዘይኮነስ ብኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዝግበር ኢዩ። እዞም ኣብ ደገ ዘሎና ዝግባእ ሓገዝ እንተገይርና እዚ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ትንፋሱ ኣብ ሓደጋ እንዳእተወ ዝዓዩ ናይ ለውጢ ሓይሊ፡ ለውጢ ንምምፋእ ዓቢ ምንቅስቓስ ክጅምር ይኽእል ኢዩ።
ኣብ ውሽጢ ዘለዉ ሓርበኛታት ዝጉህዩን ዝንዕቁናን፡ ንሕና ኣብ ደገ ዘሎና ብዛዕባ ንሓርነት ህዝብና ዝሕግዙ ጉዳያት ኣብ ክንዲ ንዝቲ፡ ትግራይ ትጝርኚ፡ ኣግኣዝያን ግዕዘያን ወዘተ ኣብ ዝብሉ ትርከምርኪ ጎሓፍ ጉዳያት ግዜና ከነጥፍእ ክርእዩና ከለዉ ኢዩ። ዶክተር ኣልማዝ ነዚ ከምዚ ዓይነት ኣብ ናይ ሽሉ ጎዳጉዲ ኣቲኻ ዝዝረብ ሃጠውቐጠው በቲ ልክዕ ስሙ ‘ናይ ጂሆነት ዛዕባታት’ ኢላ ትጽወዖ። ብሓቂ ድማ ሰባት ንቕድሚት ከይግስግሱ ካብቲ ኣውራን ኣድላዩን ጉዳይ ከላግሱ ዝገብር ናይ ሰነፋት ኣርእስቲ ኢዩ።
ሃዋህው ቁጽሪ ሽዱሽተ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ንኤርትራ ወጋሕተኣ ዘምጸኣላ ሓደ መርሃዊ ቦሎኽ ምባሉ ዘይተርፍ ኢዩ። ብዝኾነ ምኽንያት ብዝነቱግ ኩነት፡ ኣብ ሓደ እዋን፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ሓደ ጅግና ቦሎኽ ክብል ኢዩ፡ ወዲ ዓሊ፡ ሓጂ ሙሳ፡ቢተወደድ ( ሰም ቅድሚ ምብርባሩ) ነዚ ኢዮም ጌሮም። ትማሊ ወዲዓሊን ቢተወደድን እንተነይሮም ጽባሕ ዘይህልውሉ ምኽንያት ከቶ የልቦን።
ወሳኒ ሕቶ
ስለዚ ኣብ ትሕቲ ኩሎም እዞም ሃዋሁዋት ዝለዓል ዓንደ ሕቶ ንሱ እቲ ናይ ቀደም ዝነበረን ሕጂ እውን ክህሉ ዝግባእን ዝዓበየ ሕቶ ኢዩ። ንሱ ድማ ኣብ ከምዚ ኩነታት ንሕና እዞም ኣብ ዲያስፖራ ዘሎና እንታይ ክንገብር ይግባእ ዝብል ወሳኒ ሕቶ ምምላስ ኢዩ።
እቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለዉ ህይወቶም እውን እንዳሃቡ ክመርሑና ወሲኖም ኣለዉ፡ ንሕና ኸ ንኽንምራሕ ብቑዓት ዲና? ለውጢ ንምምጻእ ካባና ዘድሊ ኩሉ ደገፋት፡ ምንቅስቓሳት፡ ሓድነት ሓይሊ፡ ከነርኢ ይግባእ። ንሕና እዞም ኣብ ዲያስፖራ ዘሎና ልዕሊ እቶም ለውጢ ከይመጽእ ዝሰርሑ ዘለዉ ተኸላከልቲ ዲክታተር ክንሰርሕ ኣሎና። ሓይልና፡ መንፈስና፡ ጻዕርና ልዕሊኦምን ዕጽፎምን ኪኸውን ኣለዎ። ንሕና ልዕሊኦም ብልጫ ኣሎና፡ ምኽንያቱ ንሕና ዘይከምኦም ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ናይ ዝኾነ ውልቀሰብ የሎናን፡ እቶም ደገፍቲ ግን ኣብ ትሕቲ ሓደ ዘራጊቶ ኮይኖም ኢዮም ኪሰርሑ ዝፍትኑ፡ወላ ዘበላሸዎ ንኸጽርዩ ዝገበሩ እንተገብሩ ንግሆ ንግሆ መጺኡ ኢዩ ዝዘርገሎም፡ በዚ ምኽንያት ንሕና ብልጫን ዕድልን ኣሎና።
ከምኡ ክንገብር እንተኾንና ግን ነብስና ከየናሕሰና ገምጋም ምግባር ብወድዓዊ መንገዲ ድማ ነብስና ምንጻህ የድልየና።
ገምጋም ቁጽሪ ሓደ፡ ብሰንኪ እቲ ናብ ድልዱል ውዳበ ዘይምስግጋር ዝብል መትከላዊ እምነቱ፡ ከምኡ እውን ብሰንኪ እቲ ዘይኣሳታፊ ባህርያቱ፡ ያታዊ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ዘገምታዊ ሞት ክመውት ንነብሱ ፈሪድዋስ ኮይኑ ውን ኢዩ። እቲ ንሕና ክንብሎ ንኽእል እዚ ዝስዕብ ኢዩ። ኣብ ሓሳብናን ጸሎትናን ኣለኹም ኣምላኽ ይባርኸኹም። ንሶም ንሕና ድሕሪ ደጊም የሎናን ሓሳብን ምኽርን ክትደልዩ ከለኹም ግን ተወከሱና ኢሎም ተፋንዮምና ኔሮም፡ንሕና ድማ ስለቲ ኣገልግሎትኩም ምስጋናን ንገልጽ ንብሎም።
ሕጂ ተራን እዋንን መንእሰያትን ደቀንስትዮን ኢዩ። ንሶም ክመርሕዎ ኣለዎም። ክመርሕዎ ተኾይኖም ግን ካብቲ ዶብ ዶ እገዳ፡ ደብረዘይ ዶ ኣዋሳ፡ ተሓኤ ዶ ህግሓኤ ዝብል ናይ ኣረግቶት ጽውጽዋያት ደቂ ትሕድርትና ክወጹ ኣለዎም። ይኣክል ክብሉ ከለዎ ዓው ኢሎም ንምጉጅጃልን ኣረጊት ፖለቲካን ደቂ ኣርበዓ፡ ደቂ መንዶስ፡ ኣግዓዝያን ግዕዘይ ምዕዘይ ይኣክል ክብሉ ኣለዎም። ከምኡ ኢልካ ምክታዕ ኣካል ናይ ፖለቲካዊ መስርሕ ኢዩ እንተዘተናሉ እንታይ ኣበሳ ኣለዎ ዶ ገለመለ ዝብል ናይ ከኣልክዎ ኣቃጫጭ ኣርሒቆም ክድርብይዎ ኣለዎም።
ይኣክል ማለት ንዲክታተርያዊ ስርዓትን ጁጅ ማጁጁን ማለት ሙኻኑ ክንጽር ኣለዎ። ናይ ኩሉ ሰብ ሰዓት ኣብ ሓደ እዋን ብሓባር ክቓጭላ ኢየን ኢልካ ምጽባይ ዝከኣል ኣይኮነን ስለዚ ሓዲሽ መሪሕነት ከምኡ ዘግብረን ሓሳብን ራእይን ክዝርግሕ፡ ኣብ መጻወድያታት ህግደፍ ብቐሊሉ ዘይወድቕ ኣካይዳ ኬዝውተር ይግባእ።
ገምጋም ቁጽሪ ክልተ፡ ዓቕምናን ዕቑር ጸጋታትናን ፈቲሽና ንጠቐመሉ። ኣብ ውሽጥና ሃብሮማት ጠበቓታት፡ ጋዜጠኛታት፡ ሓካይም፡ መሃንድሳት፡ ፖለቲኸናታት፡ ዲፕሎማሰኛታት፡ ቅድሜና ዝሰርሑን ዝለፍዑን ናይ ተቓውሞ ምንቅስቓሳት፡ ልዕሊ ኩሉ ድማ ከድምዑ ዝክእሉ ጥበበኛታት ኣለዉና። ካባና ዝድለ ሓቖፍቲ ኮንና ነስረሓዮም፡ ዕማማት ንሃቦም፡ ከምኡ ምስ እንገብር ኢዮም ክሳብ ህይወቶም እውን ኣብ ኣስጋኢ ኩነት እንዳእተዉ ንለውጢ ክሰርሑ ዝኽእሉ፡ ምኽንያቱ ምስ ምቡንቃር ኢሳያስን መሰልቱን፡ ኤርትራ ከመይ ዝኣመሰለት ሓራን ፍትሓዊትን ሃገር ክትከውን ሙኻና ኣብ ዓይኖም ክረኣዮም ኢዩ።
ገምጋም ቁጽሪ ሰለስተ፡ ብስም ሞራል ምሃብ ንሓቂ ገንሸል ዘይምግባርን ናብ ሓሶት ዘይምጽጋዕን። ሓሶት እንዳተዛረበን ነብሱ እንዳቐሸሸን እተዓወተ ተቓውሞ የሎን። ብተመሳሳሊ፡ ብስም ሓቒ ምዝራብ ነንሕድሕድና ዝጓንጽ፡ ዘተፋንን ኣርእስታት ኣይነምጽእ። ገለ ሓቅታት ልክዕ ግዜ ይሓቱ ኢዮም። ገለ ጉዳያት ንጽባሕ ብሓባር ኮፍ ኢልና ንፈትሖም ኢዮም፡ ማለት ሃገር ምስሓዝና መሬትና ካብ ጥፍኣት ምስኣድሓንና። ፍልልያት እውን እንተሃለወ ከምቲ ብሉጽ ጥበበኛ ወዲትኳቦ ኣብ ፌስቲቫል ይኣክል ዝበሎ ብስልጡን መንገዲን ናይ ምክብባር መንፈስን ክንፈትሖም ይግባእ። ነተን ተዓፊኑ ዘሎ ሓበሬታ ንምምዕርራይ ዝሰርሓ ዘለዋ ናይ ሜድያ ኣካልት ብዘሎና ሓይሊ ንደግፈን።( ኣሪገየ ይመስለኒ ማዕዳ ኣብዚሐ!)።
በሉ ኣብ ምስንባተይ ከምታ ዝጀመርክዋ ብጸወታ ክልተ ሓቅታትን ሓንቲ ሓሶትን ዓንቐጸይ ክዓጹ።
ሓቂ ዶ ሓሶት ቁጽሪ ሓደ፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት ስምምዕ ሰላም ኢትዮጲያን ኤርትራን ( ስምምዕ ሰላም እንታይ ማለት ኮን ይኸውን ) ሎሚ ኣብ ኤርትራ መወዳእታ ዘይብሉ ግዱድ ዕስክርና ጌና ይቕጽልኣሎ፡ ቅዋም ኣይተተገብረን፡ ኣሽሐት ኤርትራውያን ናብ ስደት ይውሕዙ ኣለዉ፡ ኣሽሓት ህዝቢ እንተላይ ትሕቲ ዕድመ ህፋናት ኣብ ማእሰርታትት ብዘይፍርዲ ይሳቐዩ ኣለዉ።
ሓቂ ዶ ሓሶት ቁጽሪ ክልተ፡ ዋሕዚ ኤርትራውያን ናብ ስደት ከይነከየ ይቕጽል ኣሎ፡ ዶብ ምስ ኢትዮጲያ እንደገና ኪኸፍትዎ እንደገና ድማ ብዘይመግለጺ መሊሶም ኪዓጽውዎ ኢዮም፡ ናይ መንግስቲ መራኸቢ ብዙሃን ንጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ቃለመሕትት ኣይገበርዎን፡ ብዛዕባ እቲ ብኢሳያስ እብ ልዕሊኡ ዝተፈተነ ግን ዝፈሸለ ቅትለት እውን ዝኾነ ነገር ኣየቃልሑን።
ሓቂ ዶ ሓሶት ቁጽሪ ሰለስተ፡ ሳዋ ደው ክብል ዝሓትት ኣቤቱታ ንኽትፍርሙ ንነዊሕ እዋን ጎስጓስ ብምክያድና ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ክታምኩም ኣንቢርኩም ክብረት ይሃብኩም።
ቁጽሪ ሰለስተ ኢያ እታ ሓሶት ስለዚ ብሓባር ነዛ ኣቤቱታ ንኸትመላ ምኽንያቱ ኣብ ሳዋ ዝካየድ ዓመጽ ደው ክብል እንተዘይጽዒርና ካልእ ኪገብሮ ዝክእል ሰብ የሎን።
ሳልሕ ዩኑስ
01 መስከረም 2012 ብኣቆጻጽራ ሓድሽ መራሒና (ወኪለካ ኣለኹ)
ዓኾኻይ ዓኾኻይ ስርዓት ህግደፍ ውጻእ ስርዓት ፍትሒ እቶ!
Leave A Reply